እዚ ምስሊ ተቃለስቲ ሶርያ ንከተማ ሃማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብ ህንጻ ምምሕዳር’ታ ከተማ ስእሊ ፕረዚደንት አሳድ ዝነበሮ ብጠያይቲ ዝተሃረመ መንደቕ የርእይ።6 ታሕሳስ 2024 ( ኤ.ኤፍ.ፒ) (AFP)

እዋናዊ ጉዳያት ሶርያ

ሃንደበታዊ ውድቀት ፕረዚደንት ሶርያ ባሽር ኣል ኣሳድ፣ ዝለዓለ ደረጃ እቲ ንኣስታት 14 ዓመታት ዝተካየደ ቃልሲን ቀንዲ ፍጻመ ናይቲ ህይወት ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ዝወሰደ፣ ፍርቂ ህዝቢ’ታ ሃገር ካብ መንበሪኦም ዘመዛበለን ናይ ደገ ሓይልታት ዝዓደመን ውግእ ሕድ-ሕድ እዩ። ናብ’ዚ ብርኪ’ዚ ብኸመይ ተበጽሐ?

 

2011

ፈላማይ ኣንጻር ኣሳድ ዝተወለዐ ተቃውሞ ቀልጢፉ’ዩ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ልሒሙ። ይኹን ደኣ እምበር ካብቲ ምምሕዳር ናይማእሰርቲን ተኹሲን ግብረ መልሲ’ዩ ረኺቡ። ገሊ ተቃወምቲ ብረት ኣልዒሎም፣ ኣባላት ሰራዊት ሶርያ ዝነበሩ ከይተረፉ ንበረኻ ወጺኦም፣ ደገፍ ምዕራባዊያንን ኣዕራብን’ውን ረኺቦም።

እዚ ምስሊ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ኣብ ከተማ ሆምስ ሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ተቃውሞ ዝወጸ ቪድዮ ዝተወስደ ኮይኑ ፖሊስ ሶርያ ኣስታት 70,000 ናብ ጎደናታት ዝወሓዙ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኹሶም። ካብ ሃገራት ዓረብ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ተዓዘብቲ ድማ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ተዓዚቦም። (ኤ.ኤፍ.ፒ)

 

2012

ኣብ ከተማ ደማስቆ ምስ ኣል-ቓዒዳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝግለጽ ግንባር ኑስራ ዒላማ ብምግባር ዝተኻየደ ደብዳብ እቲ ፈላማይ ንሃገራዊ ሓሳብ ዘንቀሉ ጉጅለታት ንምድምሳስ ዝተወስደ ስጉምቲ ኔሩ።

ኣብቲ ኣብ 10 ግንቦት 2012 ዝተኻየደ ደብዳብ ዝሞቱ ሰባት ዝተሸከሙ ሶርያዊያን- እዚ ኣብቲ መዓልቲ ሰዓታት ንግሆ ንዋና ከተማ ሶርያ ዘናወጸ ክልተ ነትጕ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉን ኣቑሲሉን፡ መሓውራት ዜና’ታ ሃገር እቲ ደብዳብ ብ“ግብረ-ሽበራዊያን” ከምተፈጸመ’የን ጸብጺበን። (ኤ.ኤፍ.ፒ/ኤች.ኦ/ሰና)

ሃገራት ዓለም ኣብ ጀነቫ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም ለውጢ ከምዘድልይ ተሰማሚዕም፡ ይኹን እምበር ብኸመይ ይተግበር ኣብ ዝብል ብዘይምስምማዖም ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ንዓመታት ዝተኻየደ ጻዕርታት ሰላም ብዘይ ፍረ ተሪፉ’ዩ።

አሳድ ብወገኑ ንሓይሊ ኣየሩ ብጽኑዕ ብምሓዝ ተቃለስቲ ቦታታት ምስ ዝቆጻጸሩ እቲ ኵናት ብክልቲኡ ወገናት ብዙሕ ህይወት ብምውሳድ ክዓርግ ጸኒሑ።

 

2013

ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ኣብ ጎድኑ ስለዝተሰለፈ ሰራዊት መንግስቲ ሶርያ ኣብ ‘ቁሰይር’ ተዓዊቱ። ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ምረሻ ደባይ ተዋጋእቲ ንክግታእ’ውን ሓጊዙ። ኢራን ትሕግዞም ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ’ቲ ውግእ ወሳኒ ተራ ነይሩዎም።

በዓል ሞያ ኬሚካል ኣጽዋር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማስክ ጌሩ ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ኬሚካል ኣጽዋር ተኻይድሉ ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ዝርከብ ከባቢታት ዛማልካ ኽዕዘብ ይረኣ። 29 ነሓሰ 2013 (ሮይተርስ)

ዋሽንግተን ምጥቃም ኬሚካል ኣጽዋር “ቀይሕ መስመር” ምጥሓስ’ዩ ትብል፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ጉታ ከባቢ ከተማ ደማስቶ ዘጋጠመ ናይ ጋዝ መጥቃዕቲ ካብ ኣመሪካ ግብረ መልሲ ከየልዓለ’ዩ ሓሊፉ።

 

2014

Militant ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ትርከብ ግዝኣት ራቓ ተቃለስቲ እስላማዊ ጉጅለ ንምእዋጅ እቲ ጉጅለ ኣብ ጎደናታት ተሰሊፎም ይረኣ። (ሮይተርስ)

ዳዕሽ፣ ሃንደበት ንራቃን ሰፊሕ ግዝኣት ሶርያን ዒራቅን ተቆጻጺሮም።

ኣብ ጥንታዊት ከተማ ሆምስ ዝነበሩ ተቃለስቲ ኢዶም ሂቦም ናብ መንበሪኦም ክግዕዙ’ውን ተሰማሚዖም። እዚ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ እቲ ዝዓበየ ስዕረት’ዩ ኔሩ። ንመጻኢ ካብቲ ቦታ ናይ ምውጻእ መደብ’ውን መሰረት ዘንበረ’ዩ ኔሩ።

ኣመሪካ ሕብረት ኣንጻር ዳዕሽ መስሪታ ንሓይልታት ኩርዳዊያን ብምሕያል ነቲ ማዕበል ቐይራ እንተኾነ እቶም ሓይልታት መሻርኽቲ ኣመሪካ ምስ ዝኾነት ቱርኪ ምፍሕፋሕ ጀሚሮም።

 

2015

ምስ ዝያዳ ምትሕግጋዝን ናይ ደገ ደገፍ ኣጽዋርን ደባይ ተዋጋእቲ ቦታታት ብምቁጽጻር ንሰሜናዊ ምዕራብ ኢድሊብ ተቆጻጺሮም። ኣብ’ቲ ውግእ እስላማዊያን ተዋጋእቲ ጸብለልታ ረኺቦም። ሩስያ ኣብ ጎድኒ ኣሳድ ተሰሊፋ ነቶም ተቃለስቲ ብምድብዳብ ነቲ ውግእ ንዓመታት ክቕጽል ክኢሉ።

ኣብ 30 መስከረም 2015 ዝተወስደ ምስሊ ንሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ማእከላይ ሶርያ ግዝኣት ሆምስ ትርከብ ከተማ ታሊበሽ የርእይ። ጥርሑ ዝተረፈ ጎደናታትን ዝዓነበ ህንጻታት ይረኣ። ሩስያ ኣብ ሶርያ ጥቓ ከተማ ሆምስ ፈላማይ ደብዳብ ነፈርቲ ምክያዳ ኣረጋጊጻ። እዚ ድማ ሞስኮ ኣብቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ዝቐጸለ ግጭት ሶርያ ምትእትታዋ ዘፍለጠ’ዩ ኔሩ። (ኤ.ኤፍ.ፒ)

እዚ ምስሊ ኣብ 30 መስከረም 2015 ብዋይት ሄልመትስ ዝጽዋዕ ካብ ናይ ሶርያ ምክልኻል ሲቪላዊያን ናይ ትዊተር ገጽ ዝተወስደ ኮይኑ ድሕሪ ኣብ ታሊብሽ ዝተፈጸመ ደብዳብ ወለንተኛታትን ህይወት ኣድሕን ጉጅለታት ስርሒት ህይወት ኣድሕን ከካይዱ የርእይ። ፕረዚደንት ፑቲን ሩስያ አድላይ ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፈጺማ’ያ ክብሉ ሓቢሮም። (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

 

2016

ብገስጋስ ኩርዳዊያን ዝሰግአት ቱርኪየ ብወገና ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ተሓባቢራ መጥቃዕቲ ከፊታ። ቱርኪ ትቆጻጸሮ ዞባ ድማ ተፈጠረ።

ኣብ 3 መስከረም 2016 ታንክታት ቱርኪ ኣብ ዶብ ሶርያ ትርከብ ካራካሚስ ዓሪደን ይረኣያ። መንግስታዊ መሓውራት ዜና ቱርኪየ ታንኪታት ቱርኪየ ናብ ግዝኣት ቾባንበይ ሶርያ ምእታወን ኣፍሊጠን። (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ኣብቲ እዋን ዝዓበየ ዓወት ኣሳድ ምኳኑ ዝተገልጸ ሰራዊት ሶርያ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣሌፖ ዓሪዶም ንዝነበሩ ተቃለስቲ ስዒሮም።

‘ግንባር ኑርሳ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓይልታት ካብ ኣልቃይዳ ተፈንጪሎም። ‘ማእከላይ መርገጺ’ ኣለና’ውን ክብሉ ጀሚሮም። ኣብ መወዳእትኡ ‘ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም’ ዝብል መጸውዒ ሒዞም።

 

2017

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻማ ተኣሚና። ንሓይሊ ኢራንን መሻርኽታን ንምድካም ዝዓለመ ከምዝኾነ’ውን ኣፍሊጣ። .

ኣብ እዋን ግጭት ኣብ መንጎ አባላት ሓይልታት ዲሞክራሲያዊ ሶርያን ዳዒሽን ኣብ ራቓ ሶርያ ዝተኻየደ ደብዳብ ስዒቡ ትኪ ይረአ። 15 ነሓሰ 2017 (ሮይተርስ)

ኣመሪካ ትድግፎም ሓይልታት ኩርዳዊያን፣ ንዳዕሽ ኣብ ራቃ ስዒሮምዎም። እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲን፣ ሰራዊት ሶርያ ተወሲኽዎን፣ እቶም ሓይልታት ካብ ዝሰፍሐ ዞባታት ተሰጊጎም።

 

2018

In 15 ሓምለ 2018 ምስሊ ፕረዚደንት ባሽር ኣል ኣሳድ ዝሓዘ ባንዴራ ሶርያ ኣብ ወታደራዊ ኑቑጣታት ምብራቓዊ ዞባ ጉኡማን ዋና ከተማ ደማስቆን ከንበልብሉ ጀሚሮም። (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ሰራዊት ሶርያ ንምብራቃዊ ጎታ ካብ ደባይ ተዋጋእቲ መሊሶም መንዚዖም፣ ንማእከላዊ ሶርያን ደቡባዊ ዴራን’ውን ተቆጻጺሮም።

 

2019

ወታሃደራዊ መካይን ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ሶርያ ትርከብ ቃሚሺል ክንቀሳቀሱ ይረኣዩ; 26 ጥቅምቲ 2019 (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ዳዕሽ ኣብ መላእ ሶርያ ሒዝዎ ዝነበረ ግዝኣት ተመንዚዑ። ኣመሪካ ብወገና፣ ኣብ ልዕሊ ኩርዳዊያን መሻርክታ መጥቃዕቲ መታን ከይፍጸም ዝከላኸል ውሱን ሓይሊ ኣዋፊራ።

 

2020

ፕረዚደንትበሽር ኣል ኣሳድ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ደማስቆ ሶርያ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ ዝተወስደ 7 ጥሪ 2020 (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ብሩስያ ዝድገፍ መንግስቲ ሶርያ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ምስ ቱርኪየ ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ መብዛሕቱ ግንባራት ግጭት ደው ኢሉ። ኣሳድ ንመብዛሕትኡ ከባቢታትን ከተማታትን ይቆጻጸር ነይሩ። ደባይ ተዋጋእቲ ብወገኖም ንሰሜናዊ ምብራቅ ሶርያ ተቆጻጺሮም። ቱርኪይ ትድግፎም ሓይልታት ኩርዳዊያን’ውን ንገለ ክፋል ሰሜናዊ ምብራቅ ሒዞም ቀጸሉ።

 

2023

እስራኤል ኣብ ከባቢ ኣታ ኣል-ሸባብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሊባኖስ ትርከብ ድሕሪ ዘካየደቶ ደብዳብ ትኪ ይረኣ-ቐዳም 4 ሕdaር 2023 (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ሓማዝ፣ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ ኵናት ንክኽፈት ጠንቂ ኮይኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዓቕሚ’ቲ ጉጅለ ተዳኺሙ። ንኣሳድ’ውን ለኻኺምዎ።

 

2024

ሶርያዊ ተቃላሳይ ኣብ ኣፍደገ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት መወንጨፊ ሮኬት ሒዙ ይረአ። ኣብዚ ምስሊ ስእሊ ፕረዚደንት ኣሳድ ዘለዎ መንደቕ ብጥይት ተሃሪሙ’ውን ይረኣ። እዚ ምድሊ ድሕሪ ተቃለስቲ ንከተማ ሃማ ምቁጽጻሮም ዝተወስደ’ዩ - 6 ታሕሳስ 2024 (ኣሶሴይትድ ፕረስ)

ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ ኣሌፖ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቶም። ግንባር ኣሳድ፣ ቀልቦም ኣብ ካልእ ስፍራ ኣዚሮም ስለዝነበረ፣ ሰራዊቱ ብቀልጢፉ ፈሪሱ። ኣሌፖ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ደባይ ተዋጋእቲ ምስ ወደቀት ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ፣ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ንመብዛሕተአን ከተማታት ሶርያ ተቆጻጺሮም፣ ናብ ዋና ከተማ ሶርያ፣ ደማስቆ ኣትዮም። ንኣሳድ ካብ ስልጣኑ ኣባሪሮምዎ።